ነፍሲ ወከፍ ኣባል ብዛዕባ ኣክሱማዊ ስልጣነን ታሪኹን መንፈሳዊ ሕድሩን ሓቂ ኣብ ምዕቃብን ምድንፋዕን ዓቢ ተራ ኣለዎ። ብሓባር ንዓለም ንምምሃር፣ ባህላዊ ሓበን ንምዕባይ፣ ሃብታም ቅርሲ ትግራይ ንመፃኢ ወለዶታት ምልዕዓል ከምዝቕፅል ንምርግጋፅ ተበጊስና ኣለና።
ሓይልና ኣብ ሕብረተሰብና እዩ ዘሎ። ኣብ ተልእኾና ብዝበዝሑ ሰባት ብዝተሓባበሩና መጠን ሃብታም ታሪኽ፣ ባህሊ፣ መንፈሳውነት ትግራይን ኣኽሱምን ኣብ ምዕቃብን ምድንፋዕን ክንገብሮ እንኽእል ፅልዋ ይዓቢ። ኩሉ ድምጺ ኣገዳሲ እዩ፣ ብሓባር ድማ ንቕሓት ከነዕብዮ፣ ሓድነት ከነዕቢ፣ ብዓለም ደረጃ ለውጢ ከነነቓቕሕ ንኽእል ኢና።
ጋንታና ብናይ ሓባር ዕላማ ዝተጠርነፈ እኩብ ኒሕ ዘለዎም ውልቀሰባት እዩ: ንዓለም ብዛዕባ ሃብታም ታሪኽን መንፈሳዊ ሕድሪ ትግራይን ኣኽሱምን ንምዕቃብ፣ ንምልላይ፣ ንምምሃር። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ብምርምር፡ ትምህርቲ፡ ምዝንታው ዛንታ፡ ወይ ብማሕበረሰባዊ ምትእስሳር ንተልእኾና ፍሉይ ክእለትን ዘይንቕነቕ ተወፋይነትን የምጽእ እዩ።